St. Frumentius Abba Selama Kessate Berhan Theological College

St. Frumentius Abba Selama Kessate Berhan Theological College This is page of SFTC, where updated academic productions and developmental activities of the Theological College are posted.

ጉባኤ "ጸጋ ዝተመላእኺ"(መቐለ፥ ነሓሰ 17/2018 ዓ. ም፥ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ)ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ጉ...
24/08/2026

ጉባኤ "ጸጋ ዝተመላእኺ"

(መቐለ፥ ነሓሰ 17/2018 ዓ. ም፥ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ)

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ጉባኤ "ጸጋ ዝተመላእኺ" ኣካይዱ።

እቲ ጉባኤ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሣልሳይ ሊቀ ጳጳስ ዘቅ/ፍ/አ/ሰ/ከ/ብርሃን ነገረመለኮት ኮሌጅ ወዘደ/ሰ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል ብጸሎት ምስተኸፈተ ብዕዱማትን ደቀ መዛሙርትን ዝማሬን ቅኔን ቐሪቡ እዩ።

መጋቤ ብሉይ መንክር ገ/ሔር ተኸታታሊ ትምህርቲ መልእኽቲ ሮሜ 7፥1-12 ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ሰብ ምስ ክርስቶስ ብምሕባሩ ካብ ሕጊ ምፍትሑ ንምግላፅ ምሳሌ ሞት በዓል ሓዳር ሰብኣይ ከምዝተጠቐመ፥ ብተወሳኺ ድማ ወዲ ሰብ ምስ ኣዳም ዝነበሮ ሕብረት ንምግላፅ ኣዳም ነቲ ሕጊ ካብ ዝነበሮ ዘይምእዛዝ ከምዝጅምር፣ ቅድስና ዝርከብ ብሕጊ ከይኾነስ ብጸጋ ምዃኑ፣ ሓደ ግዜ ንሕጊ ከምዝሞትና፣ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብምዃን ንእግዚአብሔር ምሕጓስ ከምዘይከኣል፣ ሕጊ ልክዕ ከም ምስትያት ከምዝኾነ እዚ ድማ ኣብ ሰብነትና ዘሎ ርስሓት ከይወሰኸን ከይቐነሰን ዘርኢ እምበር ናይ ምፅራይ ጉልበት ከምዘይብሉ፣ ሕጊ ኣብ ደብረ ሲና ዝተውሃበሉ ምኽንያት ድማ ወዲ ሰብ ብዘይምእዛዙ ክንደየናይ ከምዝረኸሰ እግዚአብሔር ድማ ክንደየናይ ጻድቕ ከምዝኾነን ከም ዝምስክር ኣምሂሮም።

ቀሲስ ዶ/ር ፍጹም ገ/ሔር ድማ "ምልእተ ጸጋ" ሉቃ 1፥28 ብዝብል ርእሲ አብ ዝሃብዎ ስብከት እዚ ጸጋ ካብ እግዚአብሔር ከምዝወሃብ ካብቶም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለዉዋ ጸጋታት ቅድስና፣ ንፅህና፣ ርህራሄ ብምጥቓስ፤ ኣብ መላእ ሕይወታ ንእግዚአብሔር ኣማኒት ከምዝኾነት፣ ብትሕትና ከም ዝነበረት፣ ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ቀዳሚት ሄዋን ሞት ዘምፅእ ቃል ዝሰምዐት ከይኾነስ ሕይወት ዘምፅእ ቃል ከምዝሰምዐት፣ እቲ ካብኣ ዝተወለደ እግዚአብሔር ቃል ድማ ንሞት ስዒሩ ሕይወት ንመላእ ሰብ ከምዝሃበ ምስክርነት ቅዱሳት መጻሕፍትን ሊቃውንትን ብምምፃእ ኣምሂሮም።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕነቶም ""ከመ ንጽደቅ በጸጋሁ ወንረስ ተስፋ ሕይወት ዘለዓለም።" ቲቶ 3፥7 ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝሃብዎ ቡራኬን ምዕዳንን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተውሃበቶ ጸጋ፥ ካብቲ ክሳብ እቲ ኢልና ዘይንገልፆ ሙሉእ ንዘለኣለም ዝኾነ ጸጋ ከም ዝተውሃባ፤ እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተውሃብናዮ ጸጋ ዝተትረፍረፈን ዘለኣለማውን ስለዝኾነ ነቲ ዝተውሃበና ተስፋ ሕይወት ክንሕዞ፤ እዚ ተስፋና ድማ መሊእና ንጎድለሉ፥ ኣቲና ንወፀሉ ዘይኾነስ ዘለዓለማዊ ምዃኑ ተረዲእና ክንነብሮ፤ ብበረከት ክንነብር ኣብቲ ጉንዲ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንጣበቕ፤ ካብቲ ዘይውዳእ ጸጋ ናብ ዝውዳእ ነገር ከይንወድቕን፣ ናብዚ ቃል እግዚአብሔር ዝንገረሉ ጉባኤ እንትንመላለስ ድማ ውሽጥና ፍረ ይፈሪ ዶ ኣሎ ኢልና ክንሓትትን እቲ መሰረታዊ ኣስተምህሮ ቤተ ክርስቲያን ፈሊና ክንርዳእ ይግባእ ኢሎም።

ብምቕፃል እቲ ዕምበባ ዝኾነ ፍረ ዝጀመረ፥ ሕይወት ረኺቡን ተንቀሳቒሱን ንዓዱ ክኸውን ዝኽእል መንእሰይ እንትጨናነቕ ርኢና ከም ኣቦ ዋላኳ እንተተሰምዐና እቲ ንኣደ ዘፅናዕንዕ፣ ንኣቦ ሞራል ዝህብ ሕይወት ድማ ዝኾነ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለዘለና ሕዚ እውን ተስፋ ኣይንቖርፅን ዝበሉ እንትኾኑ ኣብ ቐረባ መዓልቲ ኣብ ገዝኦም እናሃለዉ ሓደጋ ዘጋጠሞምን ኣብ ሕክምና ክትትል ዘለዉን ኣዴታትን ህፃናትን ካብቲ ቊስልን መከራን ንክወፁ እግዚአብሔር ፈውሱ ክልእኸሎምን እቲ ሰማይ ድማ ደመና እምበር ካልእ ነገር ዘይንርእየሉ ክኸውን ፍቓድ ኣምላኽ ፀዊዖም።

ካብቲ ይካየድ ዘሎ ጉባኤ ድማ ናይ ሕቶን መልስን ጉባኤ ስለዝካየድ ሕቶታቶም ንመተሓባበርቲ ንክህቡ፣ ካብዚ ናይ ሰንበት ጉባኤ ብተወሳኺ ድማ እቶም ተምሃሮ ኣብ ዝጥዕሞም ሰዓት መሰረታዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ስልጠና ድማ ካብ ቐፃሊ ቀዳም 23/12/2018 ዓ.ም ሰዓት 3:00 ጀሚሩ ከምዝወሃብ ሓቢሮም።

📖✍🏼ፃውዒት መንፈሳዊ ጉባኤ📖 ✍🏼⏰ ሰንበት 17/12/2018 ዓ.ም🕧 3:30⛪ ኣዳራሽ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮለጅ🔎 " " ዕዱም፥ ክሳተፍ ዝደሊ ኹሉዘይሰም...
20/08/2026

📖✍🏼ፃውዒት መንፈሳዊ ጉባኤ📖 ✍🏼
⏰ ሰንበት 17/12/2018 ዓ.ም
🕧 3:30
⛪ ኣዳራሽ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮለጅ
🔎 " "
ዕዱም፥ ክሳተፍ ዝደሊ ኹሉ
ዘይሰምዑ ንክሰምዑ ሼር ንግበር። ነካፍል።

ጉባኤ "ብፅዕና ማርያም"(መቐለ፥ ነሓሰ 10/2018 ዓ. ም፥ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ)ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ጉ...
16/08/2026

ጉባኤ "ብፅዕና ማርያም"

(መቐለ፥ ነሓሰ 10/2018 ዓ. ም፥ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ)

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ጉባኤ "ብፅዕና ማርያም" ኣካይዱ።

እቲ ጉባኤ መጋቤ ምሥጢር ፍስሐጽዮን ደመወዝ (ዲን) ብጸሎት ምስኸፈትዎ ናይ ደብረ ሰማዕት ቅዱስ ቂርቆስ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ዘመርትን ዘማሪት ይርጋለምን ዝማሬ ዘቕረቡ እንትኾን፥ ብዳናይት ድማ ብፅዕና ማርያም ዝብል ጽሑፍ ቐሪቡ እዩ።

ብምቕፃል መጋቤ ብሉይ መንክር ገ/ሔር ተኸታታሊ ትምህርቲ መልእኽቲ ሮሜ 6፥15-23 ሕጊ ሙሴ ካብ እቲ ናብ ሞት ዝመርሕ ሓጢኣት ከድሕን ከምዘይኸኣለ፣ እቲ ብክርስቶስ ዘሎ ጸጋ እግዚአብሔር ግና ካብ ሞት ኣድሒኑ ናብ እቲ ናብ ዘለዓለም ሕይወት ዝመርሕ ጽድቂ ከምዘምፀአ፣ ሓደ ሰብ ንኽልተ ጎይቶት ማለት እውን ወይ ንጎይታ ሓጢኣት ይግዛእ ወይ ድማ ንጎይታ ጽድቂ ይእዘዝ ጥራሕ እምበር ንኽልቲኦም ብሓደ ግዜ ምግዛእ ከምዘይኽእል፣ እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኸበ ካብ ሓጢኣት ሓራ ምውፃእ ንጽድቂ ቁርፀኛ ምዃን ከምዘምፅእ ኣምሂሮም።

መጋቤ ጥበብ ገ/መድኅን ወ/ሰንበት ድማ "ወብፅዕት አንቲ እንተ ተአምኒ ከመ ይከውን ቃል ዘነገሩኪ እምኀበ እግዚአብሔር።" ሉቃ 1፥45 ብዝብል ቃል መጽሐፍ እዚ ብፅዕና ካብ እግዚአብሔር ብዝተልኣኾ መሰረት ብቅዱስ ገብርኤልን፣ ካብ መንፈስ ቅዱስ ብዝረኸበቶ ምግላፅ ብቅድስት ኤልሳቤጥን ከምዝተነገረ፥ እቲ ኣብ ማኅጸን ቅድስት ድንግል ማርያም ዝሓደረ ወልደ እግዚአብሔር ሕያው ንብፅዕናኣ ምኽንያት ከምዝኾነ፣ብኹሉ ቅድስትን ንጽሕትን ምዃና ምስክርነት ቅዱሳት መጻሕፍትን ሊቃውንትን ብምጥቓስ ምስኣብራህርሁ ንሕና እውን እቲ ዝወለደቶ መብልዐ ጽድቅን ስቴ ሕይወትን ስለዝኾነልና ነኽብራ ነፍቅራን ከምዝኾንና፣ ኢሉ እውን እዚ ኣብነት ብምግባር ብፅዕናኣ ክንምስክር ከምዝግብአና ኣምሂሮም ።

ኣብ ሱባኤ ዝርከቡ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሣልሳይ ሊቀ ጳጳስ ዘቅ/ፍ/አ/ሰ/ከ/ብርሃን ነገረመለኮት ኮሌጅ ወዘደ/ሰ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል እዚ ሱባኤ ሠናይ ጾም ክኾነልናን እዚ ጉባኤ ብዝግባእ ክንከታተልን ኣብ ጸሎት ክንተግህን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

መጋቤ ምሥጢር ፍስሐጽዮን ደመወዝ ኣብ ዕለተ ሰንበተ ክርስቲያን ቅድስት ካብ ኻልኦት መዓልታት ብዝበለፀ ሥርዓተ ኣምልኾ ክንፍፅም፣ ነገረ እግዚአብሔር ዘምህሩና ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክንምርምር፣ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን እናቐረብና ክንሓትትን ቃለ እግዚአብሔር ናብ ዝንገረሎም ጉባኤያት ክንግስግስ፣ እቲ ዝተምሃርናዮን ዝሰማዕናዮን ቃል ወንጌል ድማ እንትግብረሉ ማለት ውን ንዝሓመሙ ንጥይቐሉ፣ ንዝሓዘኑ ነፅናዕንዐሉ፣ ንዝዓረቑ ንኸድነሉ፣ ንዝጠመዩን ንዝፀምኡን ንምግበሉን ነስትየሉን ዕለት ምዃኑ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተምህረና፣ እዚ ጉባኤ እውን ብብፁዕ አቡነ ዮሐንስ መሪሕነትን ክትትልን እንትዳሎ እዚ መሰረት ብምግባር እዩ፤ ስለዚ ንሕና እውን እዚ ፃውዒት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕይወትና ክንኽተሎን ናብ ኹሉ ንክበፅሕ ክንገብርን ከምዝግባእ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

📖✍🏼ፃውዒት መንፈሳዊ ጉባኤ📖 ✍🏼⏰ ሰንበት 10/12/2018 ዓ.ም🕧 3:30⛪ ኣዳራሽ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮለጅ🔎 " " ዕዱም፥ ክሳተፍ ዝደሊ ኹሉዘይሰም...
13/08/2026

📖✍🏼ፃውዒት መንፈሳዊ ጉባኤ📖 ✍🏼
⏰ ሰንበት 10/12/2018 ዓ.ም
🕧 3:30
⛪ ኣዳራሽ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮለጅ
🔎 " "
ዕዱም፥ ክሳተፍ ዝደሊ ኹሉ
ዘይሰምዑ ንክሰምዑ ሼር ንግበር። ነካፍል።

ሠናይ ዜና ንደለይቲ ትምህርቲ
11/08/2026

ሠናይ ዜና ንደለይቲ ትምህርቲ

መግለፂ ሠናይ ትምኒት ጾመ ማርያምካብ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሣልሳይ ሊቀ ጳጳስ ዘቅ/ፍ/አ/ሰ/ከ/ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ወዘደ/ሰ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል
10/08/2026

መግለፂ ሠናይ ትምኒት ጾመ ማርያም
ካብ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሣልሳይ
ሊቀ ጳጳስ ዘቅ/ፍ/አ/ሰ/ከ/ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ወዘደ/ሰ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ጉባኤ "ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ" ኣካይዱ።እቲ ጉባኤ ብጸሎት ምስተኸፈተ ብተምሃሮ ቤተ ጥበባት ዳዊት በገና ድማ ናይ በገና ዝማ...
10/08/2026

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ጉባኤ "ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ" ኣካይዱ።

እቲ ጉባኤ ብጸሎት ምስተኸፈተ ብተምሃሮ ቤተ ጥበባት ዳዊት በገና ድማ ናይ በገና ዝማሬ ቐሪቡ እዩ።

ብምቕፃል መ/ር ከሣቴብርሃን መሓሪ "ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ" ሉቃ 1፥38 ብዝብል ርእሲ እግዚአብሔር ዘርአዮ ፍቓድ ሰብ ምኽባር፣ ናይ ቅዱስ ገብርኤል ናይ ትሕትና ንግግር፣ ኣብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተርኣየ መንፈሳውነት፥ ትሕትና፥ ንእግዚአብሔር ፍፅምቲ ኣገልጋሊት ናይ ምዃን ሙሉእ ፍቓድ፥ እምነት፥ ትሕትና፥ ትዕግስቲ፥ ተኣዛዝነት ንመላእ ወዲሰብ ዝኸውን ኣርኣያነትን እታ ቀዳመይቲ ሔዋን ቃል ተመን ብምስማዕ ሞት ከምዘምፀአት እታ ዳግሚት ሔዋን ዝተብሃለት ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ቅዱስ ገብርኤል ብምስማዕ ሕይወት ዝህብ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝተቐበለት ብምግላፅ ንሕና ድማ እዚ ኣብነት ብምግባር ፍቓድ እግዚአብሔር ኣባና ንክፍፀምን ንሱ ኣባና ንክሰርሕን ከምቲ ዝበልኻኒ ይኹነለይ ክንብል ከምዝግበአና ኣምሂሮም እዮም።

ኣብ ሱባኤ ዝርከቡ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሣልሳይ ሊቀ ጳጳስ ዘቅ/ፍ/አ/ሰ/ከ/ብርሃን ነገረመለኮት ኮሌጅ ወዘደ/ሰ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል ድማ ናብ ጾመ ፍልሰታ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ዝለኣኹ ኾይኖም ፅሑፍ ብዮርዳኖስ ኃይለማርያም፥ ብዘማሪት ማህደር ገብረኢየሱስ ድማ ዝማሬ ምስቐረቡ ብጸሎት ተዛዚሙ።

📖✍🏼ፃውዒት መንፈሳዊ ጉባኤ📖 ✍🏼⏰ ሰንበት 03/12/2018 ዓ.ም🕧 3:30⛪ ኣዳራሽ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮለጅ🔎 " " ዕዱም፥ ክሳተፍ ዝደሊ ኹሉዘይሰም...
06/08/2026

📖✍🏼ፃውዒት መንፈሳዊ ጉባኤ📖 ✍🏼
⏰ ሰንበት 03/12/2018 ዓ.ም
🕧 3:30
⛪ ኣዳራሽ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮለጅ
🔎 " "
ዕዱም፥ ክሳተፍ ዝደሊ ኹሉ
ዘይሰምዑ ንክሰምዑ ሼር ንግበር። ነካፍል።

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ምስ አሚጎስ ልምዲ ልውውጥ ልውውጥን ሓቢርኻ ናይ ምስራሕ ዘተን ኣካይዱ።ነገረ መለኮት ኮሌጅና ኣብ ምምሃር ምስትምሃር፣ ምርምር፣...
04/08/2026

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ምስ አሚጎስ ልምዲ ልውውጥ ልውውጥን ሓቢርኻ ናይ ምስራሕ ዘተን ኣካይዱ።

ነገረ መለኮት ኮሌጅና ኣብ ምምሃር ምስትምሃር፣ ምርምር፣ ማሕበረሰባዊ ግልጋሎትን ህንፀት ወለዶን ንምንጣፍ ኣብ ዘዳለዎ ትልሚ ነዊሕ እዋን፥ ነዚ ክሕግዝ ዝኽእል ቁጠባዊ ዓቕሚ ንምዕባይ ዘድሊ ምንቅስቓስ ብብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሣልሳይ ሊቀ ጳጳስ ዘቅ/ፍ/አ/ሰ/ከ/ብርሃን ነገረመለኮት ኮሌጅ ወዘደ/ሰ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል እናተመርሐ ብዙሓት ስራሕቲ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ብሓባር እናሰርሐ ከምዝመፀ ዝፍለጥ እዩ።

ናይዚ መቐፀልታ ዝኾነ ድማ ብፁዕነቶም ብዝመርሕዎ ምስ ተወከልቲ ኣሚጎስ ተደጋጋሚ ዘተን ምይይጥን ድሕሪ ምግባር ናይ ኮሌጅና ልኡኻን ዝኾኑ ዶ/ር አለም መብራህቱ (ናይ ቦርድ ፀሓፊ)፣ መጋቤ ምሥጢር ፍስሐፅዮን ደመወዝ (ዲን)፣ መ/ር መኮነን ተስፋይ (ምምሕዳር ም/ዲን)፣ ልሳነ ሊቃውንት ለአከ ታረቀ (ርክብ ሕዝቢ ኮሌጅ)፣ መ/ር ጥዑማይ ካሕሱ(ሓላፊ ፋይናንስ ኮሌጅ) ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት አሚጎስን ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ ትካላትን ብፍላይ ድማ ካናድያን ኢንተርናሽናል ቤት ትምህርቲ (CIS) ተረኺቦም ልምዲ ልውውጥ ኣካይዶምን ዘትዮምን እዮም።

እቶም ልኡኻን ኮሌጅ እዚ ዝተገበረ ዑደት ኮሌጅና ንዝሓዞ ካብ ሙዐለ ህፃናት ክሳብ ኻልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ፣ ጉዕዞ ልምዓትን ዕብየትን፣ ኢሉ እውን ብመዳይ ቁጠባ ዓርስኻ ናይ ምኽኣል ትልሚ ኣውንታዊ እጃም ከምዘበርክትን፣ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ቀዳማዊ እውን ኮሌጅ ካብ ተፀባይነት ወፂኡ ዓርሱ ንክኽእል፥ ናይ ሕርሻ መሬት ካብ ምቕባል ኣትሒዙ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት እናሰርሑ ናይ ምንባሮም ናብ ወለዶ ንምሕላፍ ናይ ዝሰርሕዎ ስራሕ መቐፀልታን ምዃኑ ገሊፆም።

ናይ አሚጎስ ተወከልቲ ድማ ብኣካል ንኮሌጅና ምስሓወፁ ኣብ ኮሌጅ ዘለዉ ፀጋታትን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብምንኣድን ዝተትሓዙ ትልምታት እውን ብምድናቕ ሓቢርኻ ብዙሕ ስራሕ ንምስራሕ ዘለዎም እምነት ዝለዓለ ምዃኑ ገሊፆም።

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ጉባኤ "ሞት ብኣዳም ሕይወት ብኢየሱስ" ኣካይዱ።እቲ ጉባኤ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሣልሳይ ሊቀ ጳጳስ ዘቅ/ፍ/አ/ሰ/ከ/ብርሃን ነገ...
02/08/2026

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ጉባኤ "ሞት ብኣዳም ሕይወት ብኢየሱስ" ኣካይዱ።

እቲ ጉባኤ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሣልሳይ ሊቀ ጳጳስ ዘቅ/ፍ/አ/ሰ/ከ/ብርሃን ነገረመለኮት ኮሌጅ ወዘደ/ሰ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል ብጸሎት ምስተኸፈተ ብዕዱማት ዝማሬን ጽሑፍን ቐሪቡ እዩ።

መጋቤ ብሉይ መንክር ገ/ሔር ድማ እቲ ብተኸታታሊ ይወሃብ ዘሎ መልእኽቲ ሮሜ 6 እቲ ቀዳማይ ኣዳም ኣብ ምድሪ ዝነበሮ ስልጣን ገዛእነት ከምዝሰኣነ፤ እቲ ዳግማይ ኣዳም ክርስቶስ ግን እቲ ዝጠፍአ ግዝኣት ብምምላስ ብሓድሽ ዘመንን ኪዳንን ከምዝነገሰ፤ ምእመናን ድማ ምስ ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ሱታፌ ብምግባሮም ናብዚ ሓድሽ ግዝኣት እግዚአብሔር ዝኾነ፥ ንእግዚአብሔር ሕያው ምዃንን ንሓጢአት ምሟትን ከምዝኾነ፥ ምእመናን ድማ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ከም ምምፅኦም ነዚ ዝምጥን ሕይወት ክነብሩ ከምዘለዎምን ኣምሂሮም።

መ/ር ፍቕረ ኣብርሃ ድማ ሮሜ 5፥12-21 "ሞት በቲ ሓደ፣ ሕይወት በቲ ሓደ" ብዝብል ርእሲ እቲ ቀዳማይ ኣዳም ወዲቑ ካብኡ ዝተወለዱ ኹሎም ዝወደቑ ክኾኑ ከምዝገበረ፣ ኣዳም ብዘይመጠን ንክኸብር ብዝሰርሖ ስራሕ ብዘይ መጠን ከምዝተዋረደ፣ ኣዳም ንሰበይቱን እግዚአብሔርን ኸሳሲ ከምዝነበረ ክርስቶስ ግና ንቤተ ክርስቲያንን ፍጥረትን ጠጠው ኢሉ ዝጣበቕ ጠበቓ ምዃኑ፣ እቲ ዳግማይ ኣዳም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምእዛዙ ጸጋን በረከትን ክንረክብ ከምዝገበረና፤ ብኣዳም ዝሰኣንናዮም በረከታትን ብክርስቶስ ዝረኸብናዮም ጸጋታትን ንፅፅራዊ ብዝኾነ መንገዲ ኣምሂሮም እዮም።

ብፁዕነቶም "ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፥ ከምኡ ድማ፥ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ክኾኑ እዮም።" 1 ቆሮ 15፥22 ብዝብል ርእሲ ዝሃብዎ ቡራኬን ምዕዳንን ሥግው ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ዝሃበና ጸጋ ዘለኣለማዊ እዩ እዚ ድማ ክዉን ዝኾነን ንፈልጦን ስለዝኾነ ካብዚ ዝጨበጥናዮ ናይ ነፃነት ናብራ ከይንወፅእ ክንጥንቀቕን ዕለት ዕለት ወንጌል ክንምገብን ይግባእ ኢሎም። ብምቕፃል ድማ ኣብዚ ዕለት ንዝክሮም ዘለና ቅዱስ አቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ቃል ወንጌል ስለዘምሃሩን ዝመገቡን፣ ብቃልን ብሕይወትን ስለዘብርሁ፣ ንወንጌል ሰሪሖም፥ ብወንጌል ነቢሮም ዝፀንዑ ናይ ወንጌል ሓረስታይን ልኡኽ ኢየሱስ ክርስቶስን ምዃኖም ንምግላፅ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ተባሂሎም ከምዝተሰየሙ ንሕና እውን እዚ ስራሕ ኣብነት ብምግባር ክንነብር ይግባእ ኢሎም።

Address

Mekelle
1000

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when St. Frumentius Abba Selama Kessate Berhan Theological College posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share