St. Frumentius Abba Selama Kessate Berhan Theological College

St. Frumentius Abba Selama Kessate Berhan Theological College This is page of SFTC, where updated academic productions and developmental activities of the Theological College are posted.

ጉባኤ "ነቲ ሓድሽ ሰብ ልበስዎ"(መቐለ፥ መስከረም 10/2019 ዓ. ም፥ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ)ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮ...
20/09/2026

ጉባኤ "ነቲ ሓድሽ ሰብ ልበስዎ"

(መቐለ፥ መስከረም 10/2019 ዓ. ም፥ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ)

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ጉባኤ "ነቲ ሓድሽ ሰብ ልበስዎ" ኣካይዱ።

ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሣልሳይ ሊቀ ጳጳስ ዘቅ/ፍ/አ/ሰ/ከ/ብርሃን ነገረመለኮት ኮሌጅ ወዘደ/ሰ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል ነቲ ጉባኤ ብጸሎት ምስኸፈትዎ ብዕዱማት ጽሑፍን ዝማሬን ቐሪቡ እዩ።

ብምቕፃል መጋቤ ብሉይ መንክር ገ/ሔር ኣብቲ እናተውሃበ ዝፀንሐ ተኸታታሊ ትምህርቲ ሮሜ 8፥1-17 መንፈስ ቅዱስን በረከታት ሐዲስ ኪዳንን፣ አሕዛብ ብክርስቶስ ብምእማኖም ናይ መንፈስ ቅዱስ ሙሉእ ናይ ሐዲስ ኪዳን በረከታት ከምዝተውሃብዎም ፣ እቲ ናይ ኣዳም ወዲ ሰብ ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ኣብ ሙሉእ ርኽሰት ከምዝነበረ እግዚአብሔር ድማ ፍፁም ቅዱስ ከምዝነበረ፣ ናትና ዋጋ ወርቅን ጨርቅን ከይኾነስ ባዕሉ ክርስቶስ ምዃኑ፣ ኹሉ ሰብ ወዲ ሰብ ድሕሪ ልደት ጎይታና ኣብ ቅዱስ ምምልላስ ከምዘሎ እዚ ድማ ኣብ ማእኸል ምውዳቕ ከምዝህልው ነገር ግን በቲ ዝተውሃበና ጸጋ መሰረት ሙሉእ ናይ ምትሳእ ሓይሊ ከምዘለና ኣምሂሮም።

ብምቕፃል መ/ር ፅሩይ መዝገበ (ምክትል ስራሕ መካየዲ ሃገረ ስብከት ዞባ ደቡብ ምብራቕ) "ወልበስዎ ለሐዲስ ብእሲ ዘሐደሶ እግዚአብሔር በጽድቅ ወበርትዕ ወበንጽሕ።" ኤፌ 4፥24 ብዝብል ርእሲ አዳም ብምኽንያት ዝሰርሖ ሓጢኣት ከምዝኣረገን ብእኡ ምኽንያት ድማ ኹሎም ፍጥረታት እርጋንን ብልየትን ከምዝወረሱ፣ ንሕና ድማ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሰብነትና ከምዝተሓደሰ፣ ቤተ ክርስቲያን እውን ነዚ ብዓይነ ሥጋ ዘይረአ ጸጋ እግዚአብሔር ብዝረአ ሥርዓተ አምልኾ ከምእትገልፆ፤ ንሕና እዚ ዝተሓደሰ ሰብነት ዝለበሰና ሰባት ንድሕሪት ከይንምለስ ኣብ ሥርዓተ አምልኾ ሱታፌ ብምግባር ኣብ ኸምዚ ዝዓይነቶም ጉባኤያት ተረኺብካ ቃል እግዚአብሔር ምምሃር ከም ዝግብአና ኣምሂሮም።

ብፁዕነቶም "በብዙኅ ነገር ወበብዙኅ መክፈልት አይድዐ እግዚአብሔር ለአበዊነ በነቢያቱሁ እምትካት። ወበደኃሪሰ መዋዕል ነገረነ በወልዱ ዘረሰዮ ወራሴ ለኵሉ ወቦቱ ፈጠሮ ለኵሉ።" ዕብ 1፥1-2 ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝሃብዎ ቡራኬን ምዕዳንን እግዚአብሔር ኣቐዲሙ ብነቢያት ኣቢሉ ብርሃን ክበርሃልኩም እዩ፥ ብእርጋንኹም ኣይትነብሩን፣ መወዳእታኹም ሕማቕ ኣይኸውንን እናበለ ነቲ ህዝቢ እዚ ቃል ድሕነት ከም ዘብፅሑ ኣብ ዘመነ ሐዲስ ድማ ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ኣረጊት መንነት ካባኹም ተቐንጢጡ ሓድሽ መንነት ለቢስኹም ኢኹም ስለዚ ናብ እርጋን ከይትምለሱ ዝብል መልእኽቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣስተውዒልና ክንነብሮ ይግበአና ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይዘዋወር ዘሎ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንዓና ፅላልናን ዓምድናን እቲ ክህነቱ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ እምበር እምነትናን ትውክልትናን ኣባና ኣብ ንወድቕን ንሰንፍን ሰባት ስለዘይኾነ ንሕና ሰባት ብዝኾንናዮ ከይትሰናኸሉን ከይትጭነቑን እቲ ፍርዲ ድማ ንእግዚአብሔር፣ ንሥርዓትን ቀኖናን ቤተ ክርስቲያንን ንቅዱስ ሲኖዶስን ክትህቡ፣ ብዝረአኽምዎን ብዝሰማዕኹምዎን ክትጭነቑ የብልኹምን እኳ ደኣስ ናብ ኣምላኽ ክትጽልዩ ኣለኩም ኢሎም።

ስልጠና ንኣመሓደርትን ጸሓፍትን አድባራት መቐለ(መቐለ፥ መስከረም 08/2019 ዓ. ም፥ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ)ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃ...
19/09/2026

ስልጠና ንኣመሓደርትን ጸሓፍትን አድባራት መቐለ

(መቐለ፥ መስከረም 08/2019 ዓ. ም፥ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ)

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ጉባኤ ኣብ ትሕቲ ሃገረ ስብከት መቐለ ናይ ዝርከባ አድባራት አመሓደርትን ጸሓፍትን ስልጠና ሂቡ።

ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሣልሳይ ሊቀ ጳጳስ ዘቅ/ፍ/አ/ሰ/ከ/ብርሃን ነገረመለኮት ኮሌጅ ወዘደ/ሰ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል እንኳዕ ደሓን መፃእኹም ድሕሪ ምባል ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ምስ ብፁዕ አቡነ ኢሳይያስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት መቐለ፥ ሊቀ ስልጣናት ገብረሥላሴ ሕሸ ስራሕ መካየዲ ሃገረ ስብከት መቐለን ዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገረ ስብከት ንሕና ከም መጠን ትምህርታዊ ትካል እንታይ ክንሕግዝ ብምንታይ ክነገልግል ንኽእል ብዝብል ብዝተገበረ ምርድዳእ መሰረት ዝተዳለወ ኾይኑ ኣብቲ ዘለናዮ እዋን በቢዝኸኣልናዮን ዝተውሃበናን ጸጋ ክንተሓጋገዝን ክንደጋገፍን ግቡእ እዩ ኢሎም። ብፍላይ ድማ ብመሪሕነት ነገልግል ነቲ ዝሓለፈ ጉዕዞና ገምጊምና ነዚ ሓድሽ ዓመት ብሓዱሽ ተስፋ፣ ትልምን ዓቕምን ንምቕባል ከምዚ ዓይነት ዓቕሚ መዕበይቲ ስልጠናታት ኣድለይቲ እዮም ኢሎም።

መጋቤ ምሥጢር ፍስሐጽዮን ደመወዝ (ዲን ኮሌጅ) ፃውዒት ኮሌጅ ኣኽቢሮም ብምምፃኦም ኣመስጊኖም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ኮሌጅና ንዝተፈላለዩ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ናብ አድባራት ብምኻድ ይኹን ናብ ኮሌጅ ብምፅዋዕ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት እናሃበ መፂኡ እዩ ፤ እዚ ስልጠና ብመሪሕነት እነገልግል ድማ እቲ ኣብ ስሩዕ ጉባኤ ዝረኸብናዮን ብስራሕ ልምዲ እውን ዘኻዕበትናዮን ፍልጠት ብስልጠናታት ምዕባይ ከምዝግባእ ተኣሚንሉ ብፁዕነቶም እውን ብዝሃብዎ መምርሒ መሰረት እኹል ምድላው ብምግባር ዝተዳለወ እዩ ኢሎም።

ነቲ ሓደ ስልጠና መ/ር መኮነን ተስፋይ (ምምሕዳር ምክትል ዲን) "ጥበብ ምስፍሕፋሕ መንግስቲ ኣምላኽ" ብዝብል ርእሲ ዝሃቡ ኾይኖም ኣብዚ ድማ ካህናት መንግስቲ እግዚአብሔር ንምስፍሕፋሕ ዝተፀዋዕና ምዃንና ብምግላፅ እዚ ልኡኽቶ ኣብ ዘለናዮ ክፍለዘመን ንምፍፃም ክንኽተሎም ዝግብኡና መንገድታት ኣርእዮም።

ነቲ ኻልኣይ ስልጠና ድማ መ/ር ዮሐንስ ገብረሕይወት (ተወካሊ ኣካዳሚክ ምክትል ዲን) "ኣገልጋሊ መሪሕነት" ብዝብል ርእሲ ዝሃቡ ኾይኖም መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ "ወዲ ሰብ ከገልግል እምበር ከገልግልዎ ኣይመፀን" ዝበሎ ቅዱስ ቃሉ ናይዚ ስርዓት ምሕደራ መሰረት ከምዝኾነ ብምግላፅ እንታይነትን መግለፅታትን እዚ መሪሕነት ብምብርህራህ ንሕና አብዚ ዘመን ዘለና ኣገልገልቲ ድማ ነዚ ስርዓት መሪሕነት ንምኽታል ክንገብሮም ዝግብኡና ነገራት ኣምሂሮም።

ስልጠና ንሰብ ሞያ ሚድያ(መቐለ፥ መስከረም 08/2019 ዓ. ም፥ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ)ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ...
18/09/2026

ስልጠና ንሰብ ሞያ ሚድያ

(መቐለ፥ መስከረም 08/2019 ዓ. ም፥ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ)

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ጉባኤ ምስ ግዱሳት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር ኣብ ዙርያ ቤተ ክርስቲያን ንዝሰርሑ ሰብ ሞያ ሚድያ ናይ ኽልተ መዓልቲ ስልጠና ሂቡ።

ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሣልሳይ ሊቀ ጳጳስ ዘቅ/ፍ/አ/ሰ/ከ/ብርሃን ነገረመለኮት ኮሌጅ ወዘደ/ሰ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል ኣብቲ ስልጠና ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ናብቲ ጉንደ ወይን ዝኾነ ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰባት ንምምፃእ ዝተፀውዑ ኣቦታትን ካህናትን ከምዘለዉ ሚድያታት ድማ እዚ ኣገልግሎት ክድግፋ ዝኽእላ እየን ኢሎም። ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ድማ ኣድላይነት ሚድያ ኣብ ምብፃሕን ምስፍሕፋሕን ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዘለወን እጃም ጎሊሁ ዝተረኣየሉ ዘመን ስለዘለና ሰብ ሞያ ሚድያ ንግለ ሰባት ካብ ምጥባቕ ተላቒቕኹም ኽብሪ ቤተ ክርስቲያን ፣ ኽብሪ ኣቦታት፣ ኽብሪ ሰብ ሓሊኹም ክትሰርሑ፤ ኢሉ ድማ ኣብቶም እተቕርብዎም መደባትን እተመሓላልፍዎም መልእኽታትን ኣብቲ ጉዳይ ትምህርትን ልምድን ዘለዎም ሰባት ብምቕራብ ክትሰርሑ ይግባእ ኢሎም።

እቲ ስልጠና ብመ/ር ይኄይስ ዮሐንስን ኣይተ ይርጋ ገ/ሔርን "ክርስቲያናዊ ሥነ ምግባርን ክርስቲያናዊ ጋዜጠኝነትን፥ ሚድያ፣ ኽብሪ ሰብን ሓቅን" ብዝብል ርእሲ ዝተውሃበ ኾይኑ እንታይነት ጋዜጠኝነት፣ ፍሉያት መግለፅታት፣ ሐዚ ዘለናሉ ኹናታት ኣጠቓቕማ ሚድያ፣ ክርስቲያናዊ ሥነ ምግባር ጋዜጠኝነት ብምኽታል ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከመይ ክነገልግልን ክንኽተሎም ዝግብኡና መርሕታትን ዳህሲሶም እዮም።

መጋቤ ምሥጢር ፍስሐጽዮን ደመወዝ (ዲን) ነዚ ስልጠና ካብ ምድላው ክሳብ እዚ ንዘብፅሑ ግዱሳት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብምምስጋን ጀሚሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኮሌጅና ከም መጠን ትምህርታዊ ትካል ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ፀገማት ኣቐዲምኻ ብምርኣይ ኣብ መፅናዕቲ ተመስሪቱ ናይ መፍትሒ ኣንፈት ንዝምልከቶ ኣካል እናቕረበ መፂኡን ብቐፃልነት እውን ዝሰርሐሉን ዕዮኡ እዩ ኢሎም። እዚ ስልጠና እውን እተን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝርከባ ሚድያታት ቤተ ክርስቲያን ማእኸለን ብምግባር ንረብሓ ቤተ ክርስቲያን ክሓብራን ክጥንክራን ዝዓለመ እዩ፤ ስለዚ ኮሌጅና ሐዚ እውን ኣብ ዙርያ ምስፍሕፋሕን ምዕባይን ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብምትሕብባር ንምስራሕ ድልው እዩ ኢሎም።

እቶም ሰልጠንቲ ነዚ ስልጠና ዘዳለዉ መንፈሳዊ ኮሌጅን ግዱሳት ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ብምምስጋን ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጠርናሉን ንስራሕትና እውን ዝረአናሉን ስለዝኾነ ኸምዚ ዓይነት ስልጠናታት ኣድለይቲ ብምዃኖም ክቕፅሉ ይግባእ ኢሎም።

📖✍🏼ፃውዒት መንፈሳዊ ጉባኤ📖 ✍🏼⏰ ሰንበት 10/01/2019 ዓ.ም🕧 3:30⛪ ኣዳራሽ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮለጅ🔎 " " ዕዱም፥ ክሳተፍ ዝደሊ ኹሉዘይሰም...
17/09/2026

📖✍🏼ፃውዒት መንፈሳዊ ጉባኤ📖 ✍🏼
⏰ ሰንበት 10/01/2019 ዓ.ም
🕧 3:30
⛪ ኣዳራሽ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮለጅ
🔎 " "
ዕዱም፥ ክሳተፍ ዝደሊ ኹሉ
ዘይሰምዑ ንክሰምዑ ሼር ንግበር። ነካፍል።

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ምስ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብምዃን ንደቀ መዛሙርት ኣብነት ሓገዝ ሳሙና ሂቡ።(መቐለ፥ መስከረም 06/2019 ዓ. ም፥ ቅዱስ ፍሬምና...
17/09/2026

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ምስ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብምዃን ንደቀ መዛሙርት ኣብነት ሓገዝ ሳሙና ሂቡ።

(መቐለ፥ መስከረም 06/2019 ዓ. ም፥ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ)

እቲ ሓገዝ ዝተገበረ ኣብ ደ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለዩ ጉባኤያት ደቀ መዛሙርት እዩ።

ነቲ ሓገዝ ብኣካል ተረኺቦም ዝሃቡ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሣልሳይ ሊቀ ጳጳስ ዘቅ/ፍ/አ/ሰ/ከ/ብርሃን ነገረመለኮት ኮሌጅ ወዘደ/ሰ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እዛ ንሪኣ ዘለና ደቀ መዛሙርት ዝመሃሩላ ንእሽተይ ጎጆ ነታ ኣምልኾ ንፍፅመላ ቤተ ክርስቲያን ኣዴኣ እያ። ስለዝኾነ ውን ኣብ ኣብነት ትምህርቲ ምስራሕ ኣብ ቐፃሊ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ምስራሕ ማለት ስለዝኾነ ኹላትና ኣብዚ ብትኹረት ክንሰርሕ፣ ደቀ መዛሙርት ድማ በታ ዝረኸብዋ ንፅህንኦም ክሕልዉን ተጊሆም ክመሃሩ ከምዘለዎም ብምምዓድ ንቐፃሊ እውን ዝተሓሰቡ ስራሕቲ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ናይ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ተወከልቲ ድማ ብግደኦም እዚ ሓገዝ ዝተገበረ ምስ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ኣብ ዝተኻየደ እንታይ ንሓግዝ ዝብል ዘተ ኾይኑ ብኦም ብዝተውሃበና ኣንፈት እዩ ዝበሉ ኾይኖም እዚ ሓገዝ ዋላኳ ንእሽተይ እንተኾነ በታ ዘላትና ዓቕሚ ካብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብቐሊሉ ክከላኸሉሉን ጥዕንኦም ክሕልውሉን ዝኽእሉ እዩ ብምባል እዚ ሓገዝ ናይ መጀመርታ እምበር ናይ መወዳእታ ከምዘይኾነ ሓቢሮም።

ልሳነ ሊቃውንት ለአከ ታረቀ ብወገኖም ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ቀዳማዊ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወዘኲሎን አድያማተ ትግራይ፥ ቕድሚ ህንፃ ቤተ ክርስቲያን ምህንናፅ ቤት ትምህርቲ ክሃንፁ ዝረኣይዎም ሰባት ንምንታይ ኢሎም እንትሓትዎም መን ዘገልግላ ቤተ ክርስቲያን ኢና ክንሃንፅ? ኣቐዲምና ኣብቲ ዘገልግል ኢና ክንሰርሕ ዝግበአና ኢሎም ምምላሶም ብምዝኽኻር ኣብዚ ዘመን እውን ኣብ ኣብነት ትምህርቲ ትኹረት ሂብና ክንሰርሕ ይግበአና ኢሎም።

ኣብቲ ሥነ ሥርዓት ናይ ሰበካ ጉባኤ ተወከልትን መምህራን ኣብያተ ጉባኤ ዝተረኸቡ ኾይኖም ንዝተረኸበ ሓገዝ ዘመስገኑ ኾይኖም ከምዚ ዓይነት ሓገዛት ክቕፅል ድማ ፀዊዖም።

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ንመጋቤ ብርሃናት ተስፋይ ሃደራ ናይ ምስጋና ወረቐት ሂቡ።(መቐለ፥ መስከረም 06/2019 ዓ. ም፥ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ...
16/09/2026

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ንመጋቤ ብርሃናት ተስፋይ ሃደራ ናይ ምስጋና ወረቐት ሂቡ።

(መቐለ፥ መስከረም 06/2019 ዓ. ም፥ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ)

ኣብቲ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሣልሳይ ሊቀ ጳጳስ ዘቅ/ፍ/አ/ሰ/ከ/ብርሃን ነገረመለኮት ኮሌጅ ወዘደ/ሰ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል እናመርሕዎ መላእ ኣባላት ምምሕዳር ጉባኤ ዝተረኸቡሉ መርሐ ግብሪ ከም ዝተገለፀ መጋቤ ብርሃናት ተስፋይ ሃደራ ንዶክትሬት ትምህርቲ ካብ ዝኸዱሉ ሃገረ ሮማንያ ኾይኖም ካብቲ ሙሉእ ትኹረትን ግዜን ዝደሊ ትምህርቶም ኣፃቢቦም ምስ ገበርቲ ሠናይ ብምትሕብባር ፍርቂ ሚልዮን ብር ናብ ኮሌጅ ኣታዊ ገይሮም እዮም።

ነዚ ኣመልኪቶም ብፁዕነቶም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ እዚ ኮሌጅ ብብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ቀዳማዊ ተመስሪቱ፥ ግዜኡ ምስኣኸለ ድማ ብብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ ተኸፊቱ ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመት ድማ ነዚ ኮሌጅ ዝመርሕ ናይ ባዕሉ ሊቀ ጳጳስ ተመዲብሉ ናይ ነዊሕ እዋን ትልሚ ብምድላው እናሰርሐ መፂኡ እዩ። መጋቤ ብርሃናት ተስፋይ ሃደራ እውን ካብ ተምሃርነት ክሳብ ዲንነት ኣብ ዝነበሮም እዋን ነዚ ኮሌጅ ንምዕባይ እናሰርሕዎ ካብ ዝመፁ ስራሕቲ ብተወሳኺ ንትምህርቲ አብ ዝኸዱሉ እዋን ንኮሌጀይ ከመይ ከዕቢ፣ ብምንታይ ክድግፍ ኢሎም ሓሲቦም እዚ ሓገዝ ብምምፅኦም ብጣዕሚ ዝምስገን እዩ ኢሎም።

መጋቤ ብርሃናት ተስፋይ ሃደራ ንዝተገበረሎም ምስጋና የቐንየለይ ድሕሪ ምባል ኮሌጅና ፋይናንሳዊ ጸገም ከየጋጥሞ፣ ናብ ዩኒቨርሲቲነት ንክዓብን ፕሮግራማቱ ንከስፍሕን ኹላትና በቢዝኸኣልናዮ ክንሰርሕ ይግበአና እዩ ብዝብል ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ንብዙሕ ግዘ ድሕሪ ምዝታይ እዚ ሓገዝ ክንረክብ ኽኢልና ኢና ኢሎም። ብቐፃልነት ድማ እቲ ማሕበራዊ ቅልውላው ገጢምዎ ዘሎ ማሕበረ ሰብና ንምሕዋይ ወሳኒ ዝኾነ ጉዳይ ስብከተ ወንጌል ብስፍሓት ንምስራሕ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ትልሚ ወፂኡን ምስ ዝሕግዙ ኣካላት ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ንምጅማር ኣብ ኸይዲ ኣለና ኢሎም። ኣብ ቐረባ እዋን ድማ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ገበርቲ ሠናይ ውሉደ መንፈስ ብዝገበርዎ ሓገዝ ናይ ድጓ ዘቅዱስ ያሬድ ኣብነት ተምሃሮ መንበሪ ዝኸውን ደረጅኡ ዝሓለወ ህንፃ ንምስራሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ኣብ ደብረገነት መድኃኔዓለም ቤተ ክርስቲያን መቐለ መስርሒ መሬት ከምዝተቐበሉን ኣብ ፍፃመ ንክበፅሕ ብፀሎት ክንሕግዝን ሓቲቶም። ኣብ መወዳእታ እውን ካብቲ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ብተወሳኺ ንኣገልግሎት ኮሌጅ ዝኾና ሓንቲ ላፕቶፕን ስማርት ስልክን ኣበርኪቶም እዮም።

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ኣካል ምኽባር ብሪ ኢዩቤልዩ ዝኾነ ፕሮጀክት ሓምለዋይን ንፁህን ኸባቢ ተኽሊ ብምትኻል ኣኽቢሩ ።(መቐለ፥ መስከረም 05/2019 ...
15/09/2026

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ኣካል ምኽባር ብሪ ኢዩቤልዩ ዝኾነ ፕሮጀክት ሓምለዋይን ንፁህን ኸባቢ ተኽሊ ብምትኻል ኣኽቢሩ ።

(መቐለ፥ መስከረም 05/2019 ዓ. ም፥ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ)

ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሣልሳይ ሊቀ ጳጳስ ዘቅ/ፍ/አ/ሰ/ከ/ብርሃን ነገረመለኮት ኮሌጅ ወዘደ/ሰ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል ኣብቲ ሥነ ሥርዐት ተረኺቦም ተኽሊ ብምትኻል ዘጀመሩ ኾይኖም እዚ ሠናይ ስራሕ ንዘተሓባበሩን ሙሉእ ወፃኢኡ ብምሽፋን የስርሕዎ ንዘለዉን ምስጋናኦም ብምግላፅ ንምድሪ ምልማዕን ምሕላውን ንአዳምን ሔዋንን ኣብ ገነት እናሃለዉ ዝተውሃቦም ኣምላካዊ ትእዛዝ ስለዝኾነ ቤተ ክርስቲያንና እውን ነዚ ትእዛዝ ተቐቢላ ኣብ ምዕቃብን ምሕላውን ተፈጥሮ እናሰርሐት መፂኣን እያ እዚ አብ ኮሌጅና ይስራሕ ዘሎ እውን ኣካል እዚ ኣምላኻዊ ትእዛዝ እዩ ኢሎም።

ናይዚ ፕሮጀክት መተሓባበርን ናይ ኮሌጅና ርክብ ሕዝብን ሓላፊ ክፍሊ ልምዓትን ዝኾኑ ልሳነ ሊቃውንት ለአከ ታረቀ እዚ ፕሮጀክት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብር ዝኸውን ሙሉእ ወፃኢኡ ብመጋቤ ሊቃውንት ኃይለጽዮን ግተት ዝተሸፈነን ኣካል ምኽባር ብሪ ኢዩቤልዩ (መበል 25 ዓመት) መንፈሳዊ ኮሌጅ ዝኾነን እዩ ኢሎም። እዚ ስራሕ ነቶም ብቐፃልነት ኣብ ምዕቃብን ምንክብኻብን ተፈጥሮ ክስርሑ ዝተሓሰቡ ስራሕቲ ከም መርኣይን መጀመርን እዩ ዝበሉ ኾይኖም፤ ኣብቲ ኣቦታትና ዘፅንሑልና ቦታ ኸባቢና ልሙዕ፣ ንፁህን መንፈስ ዘሐድስን ንምግባር ዝዓለመ እዩ ኢሎም።

ኣብዚ ተኽሊ ምትኻል ፕሮግራም ድማ መጋቤ ምሥጢር ፍስሐጽዮን ደመወዝ (ዲን ኮሌጅ)፣ መጋቤ ብርሃናት ተስፋይ ሃደራ (ነበር ዲን ኮሌጅ)፣ መ/ር መኮነን ተስፋይ (ምምሕዳር ምክትል ዲን)፣ መ/ር ዮሐንስ ገብረሕይወት (ተወካሊ ኣካዳሚክ ምክትል ዲን) ኣባላት ምምሕዳርን መምህራንን መንፈሳዊ ኮሌጅ ተረኺቦም ተኽሊ ተኺሎም እዮም።

ጉባኤ "ሓድሽ ፍጥረት"(መቐለ፥ መስከረም 03/2019 ዓ. ም፥ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ)ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ...
14/09/2026

ጉባኤ "ሓድሽ ፍጥረት"

(መቐለ፥ መስከረም 03/2019 ዓ. ም፥ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ)

ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ጉባኤ "ሓድሽ ፍጥረት" ኣካይዱ።

እቲ ጉባኤ ብብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሣልሳይ ሊቀ ጳጳስ ዘቅ/ፍ/አ/ሰ/ከ/ብርሃን ነገረመለኮት ኮሌጅ ወዘደ/ሰ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል ብጸሎት ምስተኸፈተ ብዕዱማት ጽሑፍን ዝማሬን ቐሪቡ እዩ።

ብምቕፃል መጋቤ ብሉይ መንክር ገ/ሔር ኣብቲ እናተውሃበ ዝፀንሐ ተኸታታሊ ትምህርቲ ሮሜ ካብ ምዕራፍ 1 - 7 ካብ ተኸታተልቲ እቲ ጉባኤ ንዝተልዓሉ ኣብ ዙርያ ቅድስና፥ ጽድቂ፥ ጥንተ ኣብሶን ኻልኦትን ዝተፈላለዩ ሕቶታት መብራህርሂ ሂቦም እዮም። ኣብ ዝቕፅል ሰንበት ድማ ምዕራፍ 8 ክቕፅል እዩ።

መ/ር ፍፁም ክንፉ ድማ "ኣረጊት መንነትና ብምሕዳስ ብሕይወት ንንበር" ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝረኸሰን ዝወደቀን መንነት ብምዃን ብሕይወት ምንባር ከምዘይከኣል፣ ወዲ ሰብ ብበደል አዳምን ሔዋንን ምኽንያት መንፈሳዊ ሞት ሞይቱ ኣካለ ጎደሎ ኾይኑ ንብዙሓት ዘመናት ከምዝነበረ፣ እዚ ኣረጊት መንነት ድማ መግለፅታቱ እምነት ዘይምህላው፥ ምውሓድ መንፈሳዊ ፍልጠት ምዃኑ፥ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብምንባብ፣ ብፍቕሪ ብምንባር፣ ብንስሐን ቅዱስ ቊርባን ብምቕባልን ከም ዝሕደስ ኣምሂሮም።

ብፁዕነቶም "ሐዳሳተ ሰማያተ ወሐዳሳተ ምድረ ንሴፎ" 2 ጴጥ 3፥13 ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝሃብዎ ቡራኬን ምዕዳንን ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኹላትና ሓድሽ ፍጥረት ዝለበስና ምዃንና እዚ ድማ ጻድቃንን ቅዱሳንን ከምዝገበረናን ነዚ ዝረኸብናዮ ጽድቅን ቅድስናን ዓቂብና ክሳብ መወዳእታ ክንነብር፤ እዚ ሓድሽ ዓመት ድማ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዘይፈፀምናዮም ፅቡቓት ስራሕቲ ንፍፅመሉ፣ ንስሐ ዘይኣተውናሎም ጌጋታት ድማ ንስሐ ንኣትወሉ ክኾን ከምዝግባእ ኣምሂሮም።
ብምቕፃል ብፁዕነቶም ኣብቲ ጉባኤ ንዝተረኸቡን ዝሓለፈ ኣብ ዝነበረ ጉባኤ ኣብቲ ኣዳራሽ ስብከተ ወንጌል ዝግጠሙ ቬንትሌተራት ንምግዛእ ቃል ኣትዮም ብዝኣተውዎ ቃል መሰረት ድማ ገዚኦም ንዘበርከቱ ከምኡ ድማ ኹል ግዜ እናሃብዎ ካብ ዝመፁ ናይ ምምራሕን ምምሃርን ኣገልግሎት ብተወሳኺ እዚ ጉባኤ ንክቕፅል ኣብ ዘለውዎ ወፃኢ ዓዲ እውን ኣብ ትምህርቲ እናሃለዉ ድጋፎምን ሞራሎምን ንዘየቋረፁ መጋቤ ብርሃናት ተስፋይ ሃደራ ምስጋናኦም ገሊፆም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ብፁዕነቶም ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ሕይወትና ካብ ምግበ ስጋ ብዝበለፀ ብምግበ ነፍስ ምምጋብ ግቡእ ብምዃኑ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ሙሉእ ናይ ሐዲስ ኪዳን መጻሕፍቲ ንምንባብን ንምፅናዕን በቢ መዓልቲ ኣርባዕተ ምዕራፍ ንምንባብ ሓበራዊ ዕዮ ገዛ ዝሃቡ ኾይኖም ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ድማ ነዚ ዕዮ ገዛ ምንባብ ቅዱስ መፅሓፍ ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ እዮም።
ኣብቲ ጉባኤ ንዝተረኸቡ ህፃናት ድማ ናይ መስቀል ውህብቶ ኣበርኪቶምሎም እዮም።

📖✍🏼ፃውዒት መንፈሳዊ ጉባኤ📖 ✍🏼⏰ ሰንበት 03/01/2019 ዓ.ም🕧 3:30⛪ ኣዳራሽ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮለጅ🔎 " " ዕዱም፥ ክሳተፍ ዝደሊ ኹሉዘይሰም...
11/09/2026

📖✍🏼ፃውዒት መንፈሳዊ ጉባኤ📖 ✍🏼
⏰ ሰንበት 03/01/2019 ዓ.ም
🕧 3:30
⛪ ኣዳራሽ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮለጅ
🔎 " "
ዕዱም፥ ክሳተፍ ዝደሊ ኹሉ
ዘይሰምዑ ንክሰምዑ ሼር ንግበር። ነካፍል።

መልእኽቲ ሓዱሽ ዓመት ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሣልሳይ ሊቀ ጳጳስ ዘቅ/ፍ/አ/ሰ/ከ/ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ወዘደ/ሰ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል"ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ንፅበ ኣለና።"      ...
10/09/2026

መልእኽቲ ሓዱሽ ዓመት ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሣልሳይ ሊቀ ጳጳስ ዘቅ/ፍ/አ/ሰ/ከ/ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ወዘደ/ሰ/ቅ/ሚካኤል ካቴድራል

"ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ንፅበ ኣለና።"
2ይ ጴጥ 3:13

ክቡራን ደቂ እግዚአብሔር ካብ እግዚአብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይብዘሐልኩም።
እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ብሰላም ኣብፀሐኩም።
ከምዝፍለጥ እቶም ዝሓለፍናዮም ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ከቢድ መከራን ስቃይን ኮይንና ኢና ኣሕሊፍናዮም።
ንእግዚአብሔር ኩሉ ይከኣሎ እዩሞ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ሰላም ስኢኑ ዘሎ ህዝብና ሰላሙ ዝረኽበሉ፣ ዝተፈናቐለ ህዝብና ናብ ገዝኡን ዓዱን ዝኣትወሉ፣ ደቅና መናእሰይ ስርሖምን ናብርኦምን ብሰላም ዝመርሕሉ፣ ብሓፈሻ ሕዝብና ንእግዚአብሔር ኣምላኹ ብነፃነትን ብዘይ ስግኣትን ዘምልኸሉ፣ ፍቕሪ እግዚአብሔር ኣብ ኩሉ ወዲሰብ ዝነግሰሉ ዓመት ይግበረልና።

ብዝበለፀ ድማ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት እዚ ሕሉፍ ህይወትና ብፍፁም ንስሐን ውሳነን ኣሐዲስና ነታ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከውርሰና ዘተስፈወና ናይ ሐዲስ ኪዳን ናይ መወዳእታ ተስፋና ዝኾነት ሓዳሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ሰማያዊት ርስትና ብተስፋን ብትዕግስትን ክንወርስ እናተፀበና፤ ኣብዛ ግዝያዊት ምድሪ ክሳዕ ዘለና ድማ ብፍቕርን ብምትሕግጋዝን ንክንነብር እግዚአብሔር ብፀግኡ ይርደአና።

አባ ዮሐንስ ሣልሳይ
ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅን ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ካቴድራልን

Address

Mekelle
1000

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when St. Frumentius Abba Selama Kessate Berhan Theological College posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share