UTNA UTNA is a civic organization that works towards enhancement of peace, development, democracy and good governance in Ethiopia.

03/11/2025
03/08/2025
ሰራዊት ትግራይ ዘብዒን ዋሕስን ህዝቢ ትግራይ እዩ!!!ህዝቢ ትግራይ፣ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ወፃእ ወረርቲ ሓይልታት ተላፊኑ ኣብ ልዕሊኡ ንዝኸፈቶ ናይ ፅንተት ወራር ብኽቡር መስ...
01/24/2025

ሰራዊት ትግራይ ዘብዒን ዋሕስን ህዝቢ ትግራይ እዩ!!!

ህዝቢ ትግራይ፣ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ወፃእ ወረርቲ ሓይልታት ተላፊኑ ኣብ ልዕሊኡ ንዝኸፈቶ ናይ ፅንተት ወራር ብኽቡር መስዋእትነቱ መኪቱ ፣ ነቶም ደመኛታት ፀላእቱ ኣገዲዱ ናብ ሰደቃ ሰላም ንኽመፁ ብምግባር ግሁድ ዝገበሮ ውዕል ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንኽኸውን ንዝሓልፉ ክልተ ዓመታት ብትዕግስቲን ፀዋራይነትን እኳ እንተተፀበየ፣ ብሰንኪ ሽርሒን ምስሉይነትን ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሸለልትነትን ዋሕዲ ቆራፅነትን ስሑት ኣጀንዳን መራሕቲ ትግራይ ፣ ውዕል ፕሪቶሪያ ተወንዚፉ ብመሰረት እቲ ውዕል ክምለስ ዝግብኦ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ እተይተመልሰን ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ እንተይኣትወን እነሆ ኣብ መከራን ፀበባን ይርከብ ኣሎ።

እዞም ብሰንኪ ወዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ዘይምትግባሩ ዝተወለዱ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገማት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ህዝቢ ትግራይ ዘውረድዎ ቅልውላው ተበሊፆም ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይን ተለኣእኽቶምን ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ብምዝራግ ኣቢሎም፣ ህዝቢ ትግራይ ንምድኻምን ንምብታንን ብዙሕ ፃዕሪ ገይሮም እዮም። ብኣንፃሩ ፈተውቲ ህዝቦም ዝኾኑ ወገናት ድማ እቲ ፀገም ብኣግኡ ንኽፍታሕን ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ንኽትግበርን ሓላፍነት ዝተዋህቦም መራሕቲ ትግራይ ዘድሊ ዘበለ ፀቕጢ ንኽገብሩ ተደጋጋሚ ፃዊዒትን ምሕፅንታን እናገብሩ መፂኦም እዮም።

ካብ ሞንጎ እቶም ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ንኽትግበርን ህዝቢ ትግራይ ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ናብርኡ ንኽምለስን ኣብ ዝግበር ዝነበረ ፃዕሪ እናተሳተፉ ዝፀንሑ ወገናት፣ ብዝለዓለ ትዕግስትን ውሕሉል ኣተሓሕዛን እናካየዶ ብዝፀንሐ ዘይሕለል ፃዕሪ ሰራዊት ትግራይ ብቐዳምነት ዝስራዕ እዩ። ሰራዊት ትግራይ እቲ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዝነበረ ሕቱኽቱኽ ካብ ቁፅፅር ንኸይወፅእን ብሰላማዊ መንገዲ ንኽፍታሕን፣ ኣብ ኣኼባታት እናተሳተፈ ብምኽርን ማዕዳን እናገበሮ ንዝመፀ ፃዕሪ ብኣድናቖት እናተዓዘብናዮ መፂእና ኢና። ኮይኑ ግና እቲ ዝተገብረ ፃዕሪ ኹሉ፣ ፍልፍል ኩሉ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ኢተግባራዊነት ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነትን ንኽትግበር ዘኽእል ኩነታት እንተይተፈጥረ ፀኒሑ እዩ።

እዞም ንኽልተ ዓመታት እናንከላለው ዝመፁ፣ ብሰንኪ ዘይምትግባር ውዕል ፕሪቶሪያ ዝተፈጥሩ ፀገማት እዚኦም ንምፍታሕ ፣ እቲ እንኮ እሙንን፣ ዘብዒን ዋሕስን ህልውና ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ሰራዊት ትግራይ ወሲድዎ ዘሎ ቅዋም ኣዝዩ ዝነኣድን ዘተኣማምንን ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና። ሰራዊት ትግራይ ደሙን ህይወቱን ኸፊሉ ህልውንኡ ዘረጋገፀሉ ህዝቢ ትግራይ ካብዝኣተዎ ቅልውላው ብዘላቒነት ንምውፃእ እናገበሮ ንዝመፀ ፃዕርታት እናመስገንና፣ ሎሚ ድማ ኣብ ጥሪ 15 2017 ንዘውፅኦ መግለፂን ዘሕለፎም ውሳነታትን ዘለና ዝለዓለ ኣድናቖትን ምሉእ ደገፍን ንገልፅ። ብቐፃሊ እውን ሰራዊት ትግራይ ደሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ኣብ ዝገብሮ ንጥፈታት ኩሉ ኣብ ጎኑ ከምእንስለፍ ነረጋግፅ።

እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ኣወንታዊ ፃዕርታት እዚ ተፈፃሚ ንኽኾን ናይ ኩሉ ትግራዋይ ተሳትፎን ደገፍን ዝሓትት ስለዝኸውን፣ ካብ ምትግባር ውዕል ፕሪቶሪያ ንታሕቲ ዘሎ ኣፈላላያት ኩሉ ኣብ ጎኒ ብምቕማጥ፣ ኩሉ ትግራዋይ ንምሉእ ተግባራዊነት ውዕል ፕሪቶሪያ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ንኽዓስል ፃዊዒትና ነቕርብ።
ክብርን ሞገስን ነቲ ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ትኽስ ዘይብል ሰራዊት ትግራይ!!!

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ሰማእታትና!!!

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)
ዋሽንግቶን ዲሲ
ጥሪ 15 2017

01/23/2025

Subscribe Woyen Newspaper-------------©Copyright: Woyen NewspaperAny Unauthorized Use, Copying or Distribution is Strictly Prohibited.-------------E-maiL: wo...

01/20/2025

ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን

ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንብዓለ ልደት ኣብፅሓኩም ኣብፅሐና!
01/06/2025

ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንብዓለ ልደት ኣብፅሓኩም ኣብፅሐና!

Happy New Year 2025.
01/01/2025

Happy New Year 2025.

Mark your calendars! 🗓️ The Tigray Festival is coming to Seattle, Washington in 2025! 🎉
12/25/2024

Mark your calendars! 🗓️ The Tigray Festival is coming to Seattle, Washington in 2025! 🎉

The 50th anniversary of Lekatit 11 will be commemorated on Saturday, February 8, 2025, at the Hilton Crystal City Arling...
12/22/2024

The 50th anniversary of Lekatit 11 will be commemorated on Saturday, February 8, 2025, at the Hilton Crystal City Arlington in Arlington, Virginia (2399 Richmond Highway, Arlington, VA 22202); kindly reserve the date.

ኣብ ልዕሊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ሽርሒ ከብቅዕ ይግባእ!""""""""""""""'''''"""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""ህዝቢ ...
12/04/2024

ኣብ ልዕሊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ሽርሒ ከብቅዕ ይግባእ!
""""""""""""""'''''"""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""
ህዝቢ ትግራይ ብግፍዒ ኣብልዕሊኡ ንዝተኣዎጆ ናይ ፅንተት ወራር ብኸቢድ መስዋእትነትን ወደር ኣልቦ ጅግንነተን መኪቱ፣ ብመሰረት ዘምፀኦ ውዕል ፕሪቶሪያ ዝተወረረ መሬተይ ክምለሰለይ እዩ፣ ዝተመዛበለ ሰበይ ድማ ናብ መረበቱ ክኣትወለይ እዩ፣ ናብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ከኣቱ እየ ኢሉ ንኽልተ ዓመት ብሃንቀውታ እናተፀበየ እኳ እንተፀንሐ ፣ ይትረፍዶ መሬቱ ክምለሰሉ፣ ናብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ክኣትውስ ከም ከፍቲ ማሕረዲ እግሩን ኢዱን ተኣሲሩ ናብ ሓደጋ ፅንተት ንኽኣቱ ደመኛ ፀላእቱን ተሓባባርቶምን ግንባር ፈጢሮም ለይትን ቀትርን ኣብ ምስራሕ ይርከቡ ኣለው።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝቢ ሰሚሩ ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነተ ይተግበር ኣብትሕቲ ዝብል ጭርሖ ደሪጉ ንኽቃለስ ኣብክንዲ ምግባር ፣ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢን ሓድነት ህዝቢ ትግራይን ዝሽርሽር፣ ብኣንፃሩ ከባቢያዊነት ዝስበኸሉ፣ ዕሉላት ባንዳታት ንህዝቢ ዘቆናፅልሉ፣ ፈለጥቲ ኢና ዝብሉ ንደቆም ኣብፅኑዕ ዘቐመጡ ልሂቃን፣ መንእሰይ ትግራይ ተለዓል እናበሉ ህውከትን ናዕብን ሕገ ኣልቦነትን ዝጥጅኡሉ መድረኻት ክሰላስሉ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ንፀገምን ጉስቁልናን ህዝብና ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ ናብ ብርሰትን ምብትታንን ትግራይ ዘምርሕ ኣካይዳ ምዃኑ እሙን እዩ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፋ ክልተ መዓልትታት ኣብ ከተማ መቐለን ካልኦት ሒዶት ከተማታትን ዝተራእየ ኣዝዩ መሰከፊን ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘእቱ ምንቅስቓሳት ብኣግኡ እንተደኣ ዘይተኣሪሙ ፣ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ፣ ትግራይ ድማ ከም ብሄረ ትግራይ ናይ ምቕፃል ዕድል ኣብ ሕቶ ከምዝኣቱ ኣየጠራጥርን። ነዚ ብግልፂ ዝርአ ዘሎ ሓደጋታት፣ ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ማዕቢሉ እንታብ ቁፅፅር ወፃኢ ቅድሚ ምዃኑ፣ ማተሰኣ እዞም ዝስዕቡ ፃዊዒታት ከቕርብ ግድን ኮይኑ ረኺብዎ ኣሎ።
1. ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ሕጊን ሕገ መንግስቲን ጥሒስካ ዝግበር ናይ ስርዓት ኣልቦነትን ናዕብን ምንቅስቓሳት ንህዝብና ህዝቢ ትግራይ ክወፅኦ ናብ ዘይኽእል ብርሰትን ምብትታንን ዘብፅሕ ስለዝኾነ፣ ስርዓት ኣልቦነት ዘበራትዕ ዘረባታትን ምልዕዓልን ብህፁፅ ደው ንኽብልን፣ ዝኾነ ይኹን ኣካል ዝገብሮ ምንቅስቓስ ሕግን ስርዓትን ተኸቲሉ ንኽሰርሕን፣ ነዚ ሰጊርካ ዝግበር ነገር ድማ ተሓታትነት ንኽህሉ ንኽግበርን ንፅውዕ፣
2. ኣብ ሓደሓደ መድርኻት ዝረኣዩ ዘለው ንሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝሽርሽሩን ከባቢያዊነት ዘሰጉምን ፀረ ሓድነት ህዝቢ ዝኾኑ ዘረባታት፣ ሽዑ ንሽዑ ኣብቲ መድረኽ ብእዋኑ ክእረሙን ክዕገቱን ብኣፅንኦት እናፀዋዕና፣ ኣብ መዳይ እዚ ዝርአ ጉድለት፣ እቶም እዚ ንምእራም ሕጋዊን ሞራላዊን ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት ናይ ታሪኽን ሞራልን ተሓተትቲ ንኽኾኑ ዝገብር ምዃኑ ክነዘኻኽር ንፈቱ።
3. እዚ ዝርአ ዘሎ ሓደገኛ ተርእዮታት ብኣግኡ እንተደኣ ዘይተኣሪሙ፣ ምእንተ መሰል ዓርሰ ውሳነን ብሄራዊ ክብርታትን ህዝቢ ትግራይ ዝተኽፍለ ክቡር መስዋእትነት ደመ ከልብ ዝገብር፣ ሕሱርን ፅይፉን ተግባራት ስለዝኾነ፣ ኣንታ ኣብ ጉዳይ ህዝብኻ ዘይትዋገ፣ ምእንተ ህዝብኻ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈልካን ኣብምኽፋል እትርከብን ዘብዒ ህዝቢ ትግራይ ዝኾንካ ሰራዊት ትግራይ፣ ብኣግኡ ንኽእረም ዘድሊ ዘበለ ኹሉ ንኽትገብር ሓደራ ንብል፣
4. ኣብ መወዳእታ፣ ኣንታ ጅግናን ፀዋርን ህዝቢ ትግራይ ነቲ ፀላእትኻ ብግንባር ገጢሞም ዘይተሳኸዐሎም ፈተነ ኲናት ፅንተት፣ መልክዕ ቀይሮም መፂኦምኻ ስለዘለው ከምቀደምካ ሓድነትካ ኣስጢምካ ንኽትቃልሶም እንትንፅውዕ፣ ኣብ እትገብሮ ቃልሲ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ኣብ ጎንኻ ከምዝስለፍ ብምርግጋፅ እዩ።

ኩሉ ትሕቲ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ እዩ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና!!!

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)
ዋሽንግቶን ዲሲ
ሕዳር 24 2017 (December 3, 2024)

Address

UTNA POBOX 73736
Washington D.C., DC
20056

Telephone

(202) 862-4367

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when UTNA posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The University

Send a message to UTNA:

Videos

Share